About US

Faith Transmission Christian Community Fellowship

Faith Transmission Christian Community Fellowship is a youth ministry founded by a number of parents who decided to start a ministry that is a platform for all the youth in calgary to gather and worship Jesus. It was officially launched on November 14 of 2019 and ever since then has been a blessing to many parents, youth and children.

group at church

ታሪኽ

ዝዓብዩን ዝበጽሑን ዘለዉ ደቅና ንደግፎም፡ ንምሃሮም፡ ነሰልጥኖም፡ ንጠርንፎም፡ ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኣብ ዕዮ ወንጌል ነሳትፎም’ ዝብሉ ሓሳባትን ጾርን፡ ካብ ሓያለ እዋናት ኣትሒዙ ኣብ ልቢ ብዙሓት ወለድን መዕበይትን ከምኡውን ግዱሳት እንዳዓዘዘ ክኸይድ ጸኒሑን ኣሎን። ነዚ ንምትግባር ከኣ ብዝተኻእለ መጠን ገለ ገለ ንኣሽቱ ተበግሶታት፡ ንጥፈታትን ርክባትን ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ብሕብረት፡ ብንጹር መምርሒታትን ዓላማን ነማእክሎ ዝብል ሓባራዊ ስምምዓት ነጊሱ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ብምምይያጥ፡ እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ ብዝብል ናይ ሓባር ልዝብን እቲ መስርሕ ሕብረት ብወግዒ ክትግበር ጀመረ። ገና እኳ እቲ ንኸዶ መገዲ ነዊሕ እንተኾነ፡ ብዘሎና ዓቕምታት ሕጂ ንጀምሮ ተባሂሉ ብትስፍው ልብን ኣብ ቅድሜና ብዘሎ ብሩህ መጻእን እምነት ብምግባር ሓደ ኢልና ጀሚርናዮ ንርከብ።

ካልእ እዚ ሕብረት ንምጅማሩ ምኽንያትን ተበግሶን ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ንመጻኢ ዝትክኡ ውፉያትን ሓላፍነታውያንን መንእሰያት ጌርካ ንምድላው እቲ ሰዓት ሕጂ ምዃን ኩሉ ስለዝተገንዘበ እዩ። ኣብዚ ብብዙሕ መዳይ ካብ ጽንዓት እምነቶም ዘቢሎም ኣምላኻውን ሞራላውን ብዘይኮነ ሓሳብን መገድን ኣብ ዝድፍኡሉን ዝፍተንሉን ዘለዉ እዋናት፡ ሓቢርና ንሓድሕድና ንምድግጋፍ፡ ብእምነት ንተንስእ፡ ካብ ዝብል ቅዱስ ቅንኢ እዩ ተበጊሱ።

people discussing on board

ዝዕቀቡ ክብርታት

ምድንፋዕ ስድራቤታዊ ሕብረት፡ ኩሉ ብማዕረ ዘገልግላን ዝግልገለላን ናይ ሓባር ደምበ ምኹስኳስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሰረት ዘለዎ ክርስቶሳዊ እምነት ምትሕልላፍ፡ እቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋታት ዝግለጸሉ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር፡ ኣዎንታዊ ጽልዋታቶም ንኽዓቢ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣወሃሂድካ ምስራሕ፡ ኣብ ቤቶምን ሓድሕዶምን ስጡም ሕብረት ከማዕብሉ ምድጋፍ፡ ብጠባዮም፡ ብኣካዳሚያዊ ትምህርቶምን ስርሖምን ኣብነታውያን ክኾኑ ምፍጣንን፡ ከምኡ’ውን እዚ ሕብረት ብዘይካ ነቲ ዝተበገሰሉ ቅዱስ ዕላማ፡ ብዝኾነ ምኽንያት ንናይ ግላውን ጉጅለኣውን መገባበሪ ረብሓ ከይውዕል ምሕላውን ምክልኻልን ዝብሉ ነጥብታት የጠቓልል።

sitting down at a camp
flag
note

ናይ ኣባልነት ቅጥዒ

ዕላማ እቲ ሕብረትን ኩሉ እቲ ዝኣምነሉን ዝምርሓሉን ኣገባባት ተቐቢሉ፡ ግቡኡን መሰሉን ዝተረድኣ ኩሉ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሓ ኣባል ክኸውን ይኽእል።

ቀዋሚ ኣባልነት

ዕላማ እቲ ሕብረት ኣኽቢሩ በቲ ንኹሉ ከመሓድር ዝተነድፈ መምርሒታት ተማእዚዙ ዝኸይድ ኩሉ ቀዋሚ ኣባል ይኸውን።

user

400k User

It is a long established fact that a reader will be distracted by the readable content of a page when looking at its layout.

ተልእኾ

ንኣምላኾም ፈሊጦም ምእዙዛት፡ ተስፋኦም ኣብኡ ገይሮም ዕሩፋት፡ ዝግብኦ ምስጋና ዘቕርቡ መማሰውቲ፡ ስልጣኑን ዝገበሮ ድንቂ ተኣምራቱን: ዘድንቑን ብትብዓት ዝነግሩን፡ ተካእቲ ወለዶ ምምልማልን ምፍራይን እዩ።

We will not conceal them from their children, but tell to the generation to come the praises of the Lord, and His strength and His wondrous works that He has done. For He established a testimony in Jacob and appointed a law in Israel, which He commanded our fathers that they should teach them to their children, that the generation to come might know, even the children yet to be born, that they may arise and tell them to their children, that they should put their confidence in God and not forget the works of God, but keep His commandments. (Psalm 78:4-7).

team card

ክፍሊ ትምህርትን ስልጠናን

ናብቲ ዝኣመምናዮ ዕላማ ዝእንፍት መንፈሳዊ ኣስተምህሮታት የዳሉ ብጉጅለ፡ ጾታን ናይ ዕድመ ክልላትን ፈላልዩ መንፈሳዊ መኣዲ ይቕርብ ንተመሃሮ ዓበይትን ነኣሽቱን ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ምዕባይን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕን ጻዕርታት ይገብር ምስ መበቆላዊ ባህሎምን ቋንቋኦምን ዝላለዩሉ መደባት ምስራዕ ንዕዑ ዘድሊ መሳለጥያታትን ዓቕሚ ሰብን የዳሉ .

board card

ጉዳይ ርክባትን ምሕዝነትን

ምስ ኣብ ደገ ዘለዋ ማሕበራትን ግለሰባትን ምሕዝነት ምፍጣር ኣብ ዘሎ ስልጠናታትን ዎርክሾባትን ንምስታፍ ይዕድምን ይዕደምን ብዛዕባኡ ዘድሊ መጽናዕትታትን ሓበሬታታትን ይእክብ .

press card

ምምሕያሻት መነባበሪ ሕጊ ሕብረት

ኣካየድቲ ዕላማን መደባትን ዝምልከት ምምሕያሽ መነባበሪ ሕጊ ሕብረት እንተ ተደልዩ፡ ልዕሊ ፍርቂ ተሳትፎ ኣባላት ሕብረት ክረጋገጽ ኣለዎ። እዚ ምምሕያሽ ቅድሚ ናብ ግብሪ ምውዓሉ፡ እቀዲሞም ንወኪል ሕብረት ብጽሑፍ የፍልጥዎ።